ኣገባብ ዑቕባ
ኣብ ስዊዘርላንድ ዘሎ መስርሕ ዕቝባ ከመይ ይመስል ?
እታ ኣብ ዩቱብ ዘላ ሓጻር መእተዊ ቪድዮና ብዛዕባ ኣሰራርሓ ዕቝባ ስዊዘርላንድ እንተላይ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ዳብልን ሓጺር ሓፈሻዊ ርእይቶ ትህበኩም
ኣብታ ብተደጋጋሚ እንሕትታ ሕቶና ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ፣
ብዛዕባ ኣሰራርሓ ዑቝባ ዝገልጽ ቻትቦትን ረድኤትን ገዛእ ርእስና ምግምጋም
እንገብሮ ነገራት


መስርሕ ኣሲሉም ወይ ኣገባብ ዑቁባ ምሕታት
ምኽሪ ማእሰርቲ

ምጥርናፈ ስድራቤት
ጠበቓ እንተ ዘይብልካ ኣሲሌክስ ኣብ እተፈላለየ ስጕምትታት ኣሰራርሓ ዕቝባን ሕጊ ዕቝባን ስዊዘርላንድ ኪድግፈካን ኪመኽረካን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ካብ ሴም ኣሉታዊ ውሳነ እንተ ኣልዩካ ይግባይ ክንጽሕፍ ወይ ጸገም ኬጋጥመካ ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ ኣብ ትሕቲ ኣበየናይ ኵነታትን ፍቓድካ ኽትቅይር ከም ዘሎካን ክንመኽረካ ንኽእል ኢና፣ ነቲ ምስ ሴም እትገብሮ ቓለ መጠይቕ ንኽትዳሎ ድማ ክንሕግዘካ ንኽእል ኢና።ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ YouTube ቪድዮና ወይ FAQ ወይ Handbook ተመልከቱ
ጕጅለታት ማእሰርቲ ኣሲለክስ ነቶም ዕቝባ ዚደልዩ ብቐጥታ ወይ ከኣ ንሓደ ኣብዚ እዋን እዚ እተኣስረ ፈታዊኦም ወይ ኣባል ስድራቤቶም ብዛዕባ ምምሕዳራዊ ማእሰርቲ ሕጋዊ ምኽሪ ኺህቦም ይኽእል እዩ።
ማእሰርትኩም ሕጋዊ ምዃኑ ኽንምርምር ኢና እቲ ምኽንያት ነጊርና ኣብ ቤት ፍርዲ ኽንውክለካ ኢና።
ናብ ጕጅለ ማእሰርቲ ኣሲሌክስ ኢ-መይል ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። ወይ ውን ዓሚል እንተ ኮንኩም እሞ ከኣ ኣብትሕቲ ቀይዲ እንተ ደኣ ኣለኹም በዛ ናይ ሓደጋ ተሌፎና emergency telephone number. ክትረኸቡና ትኸእሉ ኢኹም
ዕላማ ናይ ምጥርናፈ ስድራቤት ደቅኻ/ኺ ወይ በዓልቲ ቤትካ / በዓል ቤትኪ ናብቲ እቲ ዝስሕብ ቤተሰብ ዝነብረሉ ቦታ ማለት ናብ ስዊዘር ላንድ ምጥርናፍ ኢዩ
ን ዝኾነ ን ናይ ምጥርናፈ ስድራቤት ዝምልከት ሕጋዊ ይኹን መንግስታዊ ምኸሪ ብቀጥታ ናብ ናይ ኣዝይል ኤክስ ምጥርናፈ ስድራቤት ጋንታ ኢመ ይል ክትስሕፉ ትክእሉ ኢኹም